https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5158
ሆስፒታል ኩሓ ነቲ ሆስፒታል ግልጋሎት ዝዉዕል መደብ 1 መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን : መደብ 2 ዝተፈላለዩ ንሕሙማት ግልጋሎት ዝውዕሉ ጥረምረ (ጣፍ፣መኮረኒ፣ሩዝ፣ጨው፣በርበረን ንሕሙማት ዘገልግል ፃባ) : መደብ 3 ፅሬት መሳርሒ : መደብ 4 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 21, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 10, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ኩሓ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 10, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ናይ ሕክምና/ላብራቶሪ መሳሪሕታትን ፅገናን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በቢ ዘርፉ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮይኑ ናይ 2010/2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ግብሪ ዝከፈለን ክክዉን አለዎ

2 ቫት ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2011 ዓ/ም ወርሒ መስከረም ወርሓዊ ዲክለረሽን ከቅርብ ዝክልእ

3  ናይ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ፣ጥረምረ እኽልን ተጫረቲ ቫት ኣየገድድን

4 ናይ 2010/2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

5 መረዳእታ መለለይን ናይ ግብሪ ከፋላይ  ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 ብር ብምክፋል ካብ ኩሓ ሆስፒታል ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ቁፅሪ 48 ምዉሳድ ይከኣል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንሕድሕድ ጨረታ ብር 3000  ንመድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን 10000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብጥረ ገንዝብ ብሽም ኩሓ ሆስፒታል ከትሕዝ ዝክእል

8 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/02/2011 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ኩሎም ጨረታታት ዕለት 10/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ይዕሸጉ። መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን  ብተመሳሳሊ ዕለት 10/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት።

9 ጨረታ ዝተፈላለዩ ንሕሙማት ግልጋሎት ዝውዕሉ ጥረምረ ጣፍ ፣መኮረኒ፣ ሩዝ፣ ጨው፣ በርበረን ንሕሙማት ዘገልግል ፀባ ድማ ኣብ ዕለት11/03/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝኽፈት ይኸውን።

10 ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈትን መሳርሒ ፅሬትን ድማ ኣብ ዕለት 12/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝኽፈት ይኸውን።

11 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል(ዋና) ኣብ ሐደ ፖስታ ኮፒ(ቅዳሕ) ኣብ ካልእ ፖስታ ነኒበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሐደ ዓብይ ፐስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣቱ

12 ኣብቲ ዝተኣሸገ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ፊርማ ክህልዎ አለዎ ። እቲ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን።

13 ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናስ መሰሉ ሕልዉ እዩ

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344 -42 02 21 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።