https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5047
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት : መሳርሒ ፅሬት : ናይ መኪና መለዋወጥን ኣቑሑን ጎማን ባትርን: መለዋወጢ ኣቑሑትሳይክል፣ ስፖርታዊ ዕጥቂ :ክሎሪን ፣ መለዋወጢ ኣቑሑ ሞተር ሳይክል፣ሞተር ሳይክል ሞባይልን መለዋወጢ ኣቁሑት ሞባይል፣ ናይ ፓምፕ ኣቅሑት ፣HDPR PPRን ቱቦታትን መገጣጠሚኡን ፣ብረት ቱቦ መገጣጠሚን ቆፀርቲ ማይን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ሕጋዊያን ነጋዲ ዝኾንኩም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 2, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 15, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 15, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ኬሚካልን ሪኤጀንት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ ዘበኑ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ፣ቲን ናምበር፣ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለኩም ፣ ናይ ወርሒ ነሓሰ ዲክላርሲዮን ዘማላእኩምን ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩምን፣ ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 1//02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15/02/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓዲግራት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ናይ ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ አብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም

2 ካብዚ ጨረታ ውሽጢ ኣብ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኤሌክትሪክ፣መለዋወጢ ኣቑሑት ባትርን ጎማን ፣መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል፣ ሳይክልን ስፖርታዊ ዕጥቂ፣ሞባይልን መለዋወጢ ኣቁሑት ሞባይል፣ ከምኡ ውን ሞተር ሳይክል ክትሳተፉ እትደልዩ ነጋዶ ብዘይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ዘይምለስ 30.00 ቕርሺ እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም

3 እቲ ጨረታ 15/02/2011 ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘለዉሉ ዝክፈት ይከዉን

4 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-452873 ወይ 0344-450106 ምሕታት ይከአል