https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5000
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም ንኣገልግሎት ኣብያት ፅሕፈት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ኤሌክትሪክ፣ ሞተር ብስክሌትን፣ ናውቲ ኤሌክትሮኒከስን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ።ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 26, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 12, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ኣክሱም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 12, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 ናይ 2010/2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ኣግባብነት ዘለዎ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ

2 ናይ 2010/2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘቅርብ

3 ወረቀት መለለይ ምስክር ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ

4 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረደእታ ዘቅርብ ተጫረቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈለኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስ ንብረት ምምሕደርን ከተማ ኣክሱም ክፍሊ ቁፅሪ 15 ምዉሳድ ይክእሉ

5 ኣብ ዝቀረበ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዕልካ ረቋሒ ስፔስፌኪሽን ምዉሳክ ይኩን ምቅናስ ምስራዝ ኣይፍቃድን

6 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃንም ካብ ዝተገለፀሎም ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም

7 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ዘፈር ንናውቲ ኤሌክትሮኒክስ 5000.00 ቅርሺ፣ ሞተር ብስክሌት 5000 ቅርሺ ንናውቲ ኤሌክትሪክ 10000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

8 ሰዓርቲ መከበሪ ዉዕሊ 10 % ከትሕዙ አለዎም

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብርት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ እቲ ንብርት ብነናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ንብረት ክፍሊ አታዊ ይገብሩ

10 ዝተውሃብዎም ሰነድ ካልኦት መረዳእታ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ብሕድሕድ ፖስታ ብምዕሸግ 3ቲኡ ኣብ ዓብይ ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ዝኽእሉ

12 20 % ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰለ አለዎ ኣብ ዝግዛእ ንብረት

13 ጨረታ 12/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት

14 ኣብ ዝቀርበ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ናይ ሽም ትካልም ማህተምን ፊርማን ኣድራሻን ክቀርብ ይግባእ

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪበ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347-753006/0347-751670 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል