https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4862
ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ቀፂሉ ብሎት ዝተከፈለ ንብረት ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 30, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 9, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 9, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ሎት 1 መሳርሒ ህንፃ ሎት 2 ሕትመት ባነር ሎት 3 መድሓኒትን መድሓኒት ሕክምናን 1 ናይ ዘመን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈልኩምሉን ዝሐደስኩምሉን ፍቓድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ:: 

3 ንሎት 1ን 2ን ቫት ምምዝጋብኩምን ናይ ወረሒ ሓምል 2010 ዓም ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ ዝተሐደሰ ናይ ብመቕረባይነት ሰረተፍኬት መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ:: 

4 ንሎት 3 ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 መኽበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ሎት ብር 20,000 ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ:: 

6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብሰምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ:: 

7 እቲ ጨረታ ካብ 29/12/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 9/1/2010 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

8 ንሎት 1 መሸነፊ ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ወይ ከዓ ሳምፕል መሰረት ንብረት ከቅርብ ዝክእልን ንሎት 3 ብመዐቀኒ መሰረት ናይ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቕርብ ይግባእ አብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከምዝሐወሰሉ ይዉሰድ:: 

9 ተጫራታይ ብመሰረት ዝቀረበሉ ዝርዝር ጥራይ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ሰዓራይ ወይ እዉን መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝን ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ይገብር 

10 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ:: 

12 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344404715/ 0344400451 ምድዋል ይከአል::