https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4546
ሓፈሻዊ ሆስፒታል አላማጣ ንቲ ሆስፒታሉ አገልግሎት ዝዉዕል መድሓኒትን : ናዉቲ ሕክምናን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 9, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 23, 2010 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:16000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 23, 2010 09:15 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በቲ ዘፈር ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቲን ናምበር : ናይ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊከት :

2 መክብሪ ጨረታ 16000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብድሕሪቱ ናይቲ ባንኪ ማሕተም ዝዓረፎ ቼክ ከትሕዝ አለዎ

3 ተጫረቲ ሰዓራይ ምካኑ ምስ ፈለጠ ድሕሪ ቅሬታ መዓልቲ አብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10% ናይ ዉዕሊ መክበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብድሕሪቱ ናይቲ ባንኪ ማሕተም ዝዓረፎ ቼክ ከትሕዝ ከምዘለዎ

4 አሸናፊ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ኣብ ሐፈሻዊ ሆስፒታል አላማጣ አታዊ ክገብር አለዎ

6 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 8/9/2010 ዓ/ም ክሳብ 22/09/2010 ዓ/ም አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 50 ብር ብምክፋል ይወስዱ

7 እቲ ጨረታ ዕለት 23/9/2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:15 ድሕሪ ቐትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ አብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ይኽፈት

8 ካብቲ ዘሸነፍዎ በዝሒ ንብረት 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ይከኣል

9 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኵን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034774 02 51 ምሕታት ይክእሉ