https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4119
ሓፋሻዊ ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ መድሓኒት ናዉቲ ሕክምና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 13, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 27, 2010 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 27, 2010 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ስራሕ ፍቓድን መለለይ ቁፅሪን/ tin number ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተወሃበ 2010 ዓ/ም ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቀት ኮፒ ከተሓሕዝ ዝኽእል

2 ኣብቲ ብሆስፒታልና ዝተዳለወ ሰነድ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልእ አለዎ

3 አብቲ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እነተኮይኑ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኸዉን

4 መግለፂ ብምስራዝ ናይ ባዕሉ መግለፂ ዘቅመጠ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

5 በቲ ዝቐረበ ስፐስፊካሽን Unit መሰረት ተጌሩ ዋጋ ክምላእ አለዎ

6 ኣብቲ ናይ ጨረታ መምልኢ ቅጥዒ ሕጋዊ ማህተም ክዓርፎ አለዎ

7 ዕድመ መድሓኒት ልዕሊ 6ተ ወርሒ ክከዉን አለዎ

8 መክበሪ ጨረታብጥረ ገንዝብ ወይ ብስፒኦ 10000 ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰነድ ጨረታ ብር ዘይምለስ 30 ገዚኡ ይዉሰድ

10 ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 12/6/2010 ዓ/ም ክሳብ 27/06/2010 ዓ/ም ይኸዉን

11 ሰነድ ዝዉሰደሉ ኣታዊ ዝግበረሉን ቦታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ

12 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/06/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00

13 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ሓሸፋዊ ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ ዕለት 27/06/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ይከፈት

14 እቲ ዘሸነፈ መድሓኒት ዉዕል ከቕርብ ዝኽእል እንትከዉን ተዘይኣቅሪቡ ድማ 10%ናይቲ ዘሸነፎ መድሓኒት ዋጋ ይቕፃዕ /ይኸፍል

15 ናይ ትራንስፖርት መጎዓዓዝያ ወጪ ብናይ ባዕሉ ምካኑ ፈሊጡ ዝጫረት

16 ዉዕሊ ድሕሪ ምእእሳሩ ዘንጊዑ ዘቅርብ ተጫረቲ 1/1000 ዝቅፃዕ ምካኑ ፈሊጡ ዝጫረት

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል 0344460050 /51 ምሕታት ይከኣል እዩ