https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2046
ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዉቅሮ ኮምፒተራት: ፈርኒቸር: ንምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕሉ ናዉቲ ሕክምናን :ኣፋዉስ እንስሳትን: ንምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ :ናይ መኪና ጎማታት: መሳርሒ ፅሕፈት :ናዉቲ ፅሬትን :ናይ ሞተር ሳይክል ጎማታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 20, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 7, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዉቅሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 7, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ተወዳደርቲ ምስቲ ዘቅርብዎ አቁሑት ዝተትሓዘ ናይ 2008 ን 2009 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ኤለክትሮኒክስ ኮምፒተራ መሳርሒ ፅሕፈት ናዉቲ ፅሬት ንምቅራብ ዝወዳደሩ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምካኖም ናይ ወርሒ ሓምለ ወይ ነሓሰ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ኣብ ተወሳኪ ታክስ ክምዝገቡ ዘይግብኦም ተኮይኖም ድማ ክምዝገቡ ዘይግብኦም ምካኖ ዝገልፅ መረጋገፂ መረዳእታ ከቀርቡ ዝክእሉ

ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምካኖም ዘረጋግፅ ንግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

መንግስታዊ አብያተ ዕዮታት ኣብ ዝፍፅምዎም ግዝኢታት ንምስታፍ ኣብ ናይ አቀሑትን ግልጋሎትን መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም ዝገልፅ ን 2008 ን 2009 ዓም ዝትሓደሰ መረዳእታ ከቅርቡ ዝከእሉ

ሰዓሪ ምካኖም ብግላፅ ዉዕሊ ክኣስሩ ካብ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዘቅርብዎ ንብረት ዋጋ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መክበሪ አትሒዞም አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መጋዕዝን መራገፍን ንብረት ናብ ዉቅሮ ሕርሻ ኮሌጅ ፖሊ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ

ጨረታ መክበሪ ኤልክትሮኒክስን ኮምፒተራት ናዉቲ ፅሬት ንምቅራብ ዝወዳደሩ 3000 ቅርሺ ንፈርኒቸር ናይ መኪና ጎማታት ንምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕሉ ናዉቲ ሕክምናን አፋዉስ እንስሳትን ንምቅራብ ዝወዳደሩ 2000 ቅርሺ ንመሳርሒ ህንፃ ናይ ሞተር ሳይክል ጎማን ንምቅራብ ዝወዳደሩ 1000 ቅርሺ ንሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሐዙ ዝክእሉ

ሰነድ ጨረታ ካብ 19 መስከረም 2009 ዓም ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 30 ቅርሺ ብምከፋል ምዉሳድ ዝወዳደርሉ ሰነድ ዋጋ መሊኦም አብ ሕድሕድ ፈሪሞም ኣብ ልዕለ ፖስታ ሽምን አድራሻን ፅሒፎም ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን ብዘተዓሸገ ፖሰታ ክሳብ 7 ጥቅምቲ 2009 ዓም ሰዓት 3:00 ኣታዊ ክገብሩ ይክአሉ

ጨረታ 7 ጥቅምቲ 2009 ዓም ሰዓት 3:10 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 3:

30 ይክፈት

ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብካፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ ከምኡዉን 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክ ምንካይ መሰል አለዎ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344430565