https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/2020
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ኣብ 2009 በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና በጀት ንሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 13, 2009 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 27, 2009 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 27, 2009 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

መሳርሒ ፅሕፈት

ናዉቲ ፅሬት

ኤለክትሮኒክስ

መለዋወጢ አቁሑ መኪናን ክልተ ሞተር ብስክሌትን

በዚ መሰረት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
  2. በቲ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2009 ዓም በጀት ዓመት ዘሐደሰ
  3. ቲን ቁፅሪ ዝተመዝገበ ክወዳደር ይክእል
  4. እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርንÂ ዘይምለሰ 100 ቅርሺ እነዳከፈልኩም ናይ ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ትክእሉ
  5. ቫት ወይ ኣብ ተወሳኪ እሴት ዝተመዝገበን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክላራሽን ዘቅርብ
  6. ቲን ዝተመዝገበን ምካኑ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  7. ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ ንናዉቲ ፀሬት: ንሞተር ብስክሌት :ንመለዋወጢ አቁሑ ተሽከርከርቲ 3,000 ብር ንዝተረፉ ድማ 8,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ናይ ኤለክትሮኒክስ መሳርሒ ፅሕፈት ናዉቲ ፅሬት ጨረታ ዝዕፀሉ 27/ 01/ 2009 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ይክፈት
  9. ጨረታ ሞተር ብስክሌትን መለዋወጢ አቁሑ ተሽከርከርትን 27/ 01/ 2009 ዓምሰዓት 8:00 ተዓፅዮ በቲ ዕልት ሰዓት 8:30 ይክፈት
  10. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 45 መዓልትታት ዘይበልፅ ይከዉን
  11. ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ንብረት ማለት ኣብ ናይ መለዋወጢ አቁሑ መኪና ኤለክትሮኒክስ ከም ኮምፒተር ቀለም ዝኣመሰሉ ዉሕስና ክህቡ ዝክእሉ ነቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ድማ መርአያ ከቅርቡ ዝክእሉ
  12. እቲ ቤት ፅሕፈትÂ ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0347713740 ወይ 0347713776 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል