https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19146
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፥ ናይ ፅሬት ኣቑሑት ፥ ምግቢ ተንከፍ ፥ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፥ ናይ ፈርኒቸር ኣቑሑት ፥ ናይ ገዛ ኣቑሑት ፥ Drop-in materials ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 29, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 10, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 10, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናገዛ ኣቁሑት/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናንን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ

1. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

2. ናይ ፅሬት ኣቑሑት

3. ምግቢ ተንከፍ

4. ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት

5. ናይ ፈርኒቸር ኣቑሑት

6. ናይ ገዛ ኣቑሑት

7. Drop-in materials ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቐረብቲ ዝኾንኩም ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 06 /02/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 09 /02/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ቢሮ ቁፅሪ

➢ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 10 /02/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::

መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ምዃኑ ነፍልጥሸ