https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19051
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ፍራንስ ኤምባሲ ብምትሕብባር አብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ነጋሽ ሳይት ንዝስራሕ ናይ አዋልድን አዴታትን ውሑስ መዕንሒ ቦታ መስርሒ ዝውዕል ንብረት ከም ቆርቆሮ ፣ ሲሚንቶ ፣መስማር ፣ ቀለም ፣ተንዲኖ ፣ፋይዝት ... ወዘተ ዝአመሰሉ ንብረታት ዉዕሊ ኣሲራ ክትዕድግ ስለዝደለየት
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 15, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 22, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 22, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ፍራንስ ኤምባሲ ብምትሕብባር አብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ነጋሽ ሳይት ንዝስራሕ ናይ አዋልድን አዴታትን ውሑስ መዕንሒ ቦታ መስርሒ ዝውዕል ንብረት ከም ቆርቆሮ ፣ ሲሚንቶ ፣መስማር ፣ ቀለም ፣ተንዲኖ ፣ፋይዝት ... ወዘተ ዝአመሰሉ ንብረታት ዉዕሊ ኣሲራ ክትዕድግ ስለዝደለየት ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

6. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት አታዊ ክገብር ይግባእ

7. ሰዓራይ ተጫራቲ ነቲ ዝሰዓሮ ነብረት ብናይ ትራንስፖርት ናብ ማ.ደ.ኣ.ት መቐለ ስቶር ኣታዊ ይገብር

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 15/05/2018 ዓ.ም ክሳብ 22/05/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 22/05/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኸእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ / ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ::