https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1898
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ መሳርሒ ፅሕፈት :መቀያየሪ አቁሑት መካይን: መቀያየሪ አቁሑት ሞተር ሳይክል: አቁሑት ፅሬት :ሕትመት :አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ፅገና ኤለክትሮኒክስ :አቁሑት ቢሮን ብግልፂ ጨረታ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 23, 2008 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጳጉሜን 3, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ኣፅቢ ወንበርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጳጉሜን 3, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ፅገና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 ተጫረቲ ዝተሐደሰ ናይ 2008 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድን ቲን ናምበርን ከቅርቡ ዝክእሉ ምዃኖም

2 ተጫረቲ ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ቫት ምዝጉባት ኮይኖም ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓ/ም ደክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ንመከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 4000 ቅርሺ: ንሕትመት 2000 ቅርሺ :ንአቁሑት ንኤሌክትሮኒክስ 4000 ቅርሺ: ንአቁሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ: ንመቀያየሪ አቁሑት ሞተር 4000 ቅርሺ :ንሞተር ሳይክል 5000 ቅርሺ: ንመቀያየሪ አቁሑት መካይን 10000 ቅርሺ: ንአቁሑት ቢሮ 3000 ቅርሺ :ንፅገና ኤለክትሮኒክስ 1000 ቅርሺ ብጥረገንዝብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

5 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጋዕዝን መራገፈን ናብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ቢሮ ፋይናንስ ከቅርቡዝክእሉ

6 ተጫረቲ ናይ ባዕሎም ፍቃድ ንግዲ ዘርፊ ዘለዎም ክከዉን ይግባእ

7 ተጫቲ ኣብ ዘቀርብዎ ሰነድ ሽሞም ፊርማን ማሕተምን ከስፈሩ አለዎም

8 ተጫረቲ አብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸዉን አለዎ

9 ተጫረቲ ዘቅረብዎ ደኩመንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጎም ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ይፀሓፍ

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን

11 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከይዲ /ስራሕ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50 ቅርሺ

12 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 3/13/2008 ዓ/ም አብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ 5:30 ይክፈት

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 0344340033 ወይድማ 0343400010 ወይ ብምድዋል ምሕታት ይከኣል