https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18941
ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤት ፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፥ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑን ዝኸዉን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥሪ 5, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 20, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:መኮኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:1500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥሪ 20, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤት ፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፥ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑን ዝኸዉን ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

በዚ መሰረት

01) ናይ ኣቑሑት ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ዘይምለስ ብር 1500 ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 05/05/2018ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 11፡30 ኣብ ስራሕ ስዓት ኾይኑ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ምዃኑ ንሕብር፡፡

02) ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ናይ 2018ዓ/ም ዘሐደስኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

03 ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል።

04) VAፐ ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን፣ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ / ካሊእ ደኩመንትን ኦርጂናልን 2ተ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ 3ተ ፓስታ ዓሽጉ ከቕርብ ዝኽእል።

05) ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናይቲ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከቕርብ ወይ /ከረክብ/ ዝኸእል።

06) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መክበሪ ጨረታ/ቢድ ቦንድ/ኒኒ ሕድሕዶም 15000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል።

07) ጨረታ ሳዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3' ማዕልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡ መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ሲፒኦ /po/ካብ ናይቲ ውዕሊ ጠቕላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ ኣብ ዕደጋ መኽበሪ - ጨረታ የትሕዝ ኣብዝተዉሃቦ መዓልቲ ዝተሓተቶ መኸበሪ ዉዕሊ ዘየትሐዘ እንተኾይኑ መኸበሪ ጨረታ ይዉረስ።

08) ጨረታ መሸነፊ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ10ተ ዝተዉሃቦ ማዓልቲ ኦርጅናል ንብረት ከቕርብ ዝኽእል

09) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀኒሐሉ እዋን ካብ ዕለት 05/05/2018ዓ/ም ክሳብ 20/05/2018 ዓ/ም ንተኸታታሊ 15 ማዕልታት ምዃኑ ፈልጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም።

10) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕፀወሉ ግዜ ዕለት 20/05/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት

11) ጨረታ ሰነድ ዝኸፈተሉ ግዜ ዕለት 20/05/2018ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ይኸዉን።

12) ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መዋዳደሪ ሓሳብ ለውጢምምሕያሽ ምግባር ኣይክእሉን/

13) እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ/ ሕጋዊ ወኪል /ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት እንተዘይቀሪቦም ድማ ብመምርሒ ጨረታ መሰረት እቲ ጨረታ ይኽፈት፡፡

14) እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ አንተተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

ምስ ሰላምታ

ቤት ማዛጋጃ ከተማ መኾኒ ከይዲ ስራሕ ጠቕላላ አገልግሎትን ፋይናንስ ምምሕዳርን

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0926719395 ወይ 0914371145