https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18815
ውቅሮ ማእኸል ህንፀት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ንተሃነፅቲ መስልጠኒ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ መብራህቲ ጀነረተር፣ ናይ ጣውላን ሓፂን መፂንን ማሽናትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዱሩ ከገዝእ ስለ ዝደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 15, 2018 ( ቅድሚ 2 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 4, 2018 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ዉቅሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 4, 2018 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ውቅሮ ማእኸል ህንፀት ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ንተሃነፅቲ መስልጠኒ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ መብራህቲ ጀነረተር፣ ናይ ጣውላን ሓፂን መፂንን ማሽናትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዱሩ ከገዝእ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ክትዋዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ።

ዝርዝር ረቛሒ

1. አብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ምን 2018ዓ/ምን ዝተሓደሰ ስራሕ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ፎቶ ኮፒ ዘቅርብን ፣

2. መቕረባይነት ናይ 2018ዓ/ም ዝተሃደስን ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፣

3. ናይ መለለይ ግብሪ መኽፈሊ ቲን/tin/ ናምበር ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዠክእል 1

4. ሻት ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2018ዓ/ም ድክለር/ሪፖርት/ዝገበረሉ ኮፒ ዘቅርብን።

5. ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ብር 10000.00 /ዓስርተ ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ፣ብስፒኦ /C.P.O/ ብባንኪ ዝተራጋገፀ ቸክ ብሹም ውቅሮ ማእኸል ህንፀት ከትሕዝ ዝኸእል፣

6. ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስጣ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን ብተወሳኪ ንዝወፀ እስፕስፈኬሽን ኣማሊኡ ዘይቐረበ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን፣

7. ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3 ናይ ጥርዓን ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ መፂኡ ውዕሊ ከኣስር ዝኸእል በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

8. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15/04/2018 ዓ/ም ክሳብ 04/05/2018ዓ/ም ሰዓት 8:00 ዘይምለስ 100.00/ሓደ ሚኢት ብር እናኸፈሉ ካብ ውቅሮ ማእኸል ህንፀት ደ/ከ/ዕ/ፈ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4ተ ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 04/05/2018ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኸፈት::

9. ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ስዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ድሕሪ 3 ናይ ስራሕ ጥርዓን ማዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3፣ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሳዓሮ 10% መክበሪ ውዕሊ ዘትሕዝ ከይኑ ዝሳዓሮ ንብረት ናይ መብራህቲ ጀነ ረተርን ናይ ሓፅን መፅንን ማሽናትን ኣብ ውሽጢ 15 ተከታተልቲ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዐዝን መራገፍን ናብ ቤት ህንፀት ውቅሮ ኣታዊ ዝገብር፣

10. ዋጋ ፀንዑ ዝፀንሐሱ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀምሩ ንተኸታታሊ 20 ማዓልቲ ይኸውን።

11. ቤት ዕዮና ካብ ሕድሕድ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽ ን ምቅናስን ይኽእል፣

12. መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914112307 ወይ 0942660820 ምሕታት ይካኣል፣

ውቅሮ ማእኸል ህንፀት