https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18792
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ መቐለ ንናይ ቤት ፅሕፈትና መክዝን 2 ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ አቁሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 10, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 13, 2018 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ -18, 1745 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

ፕሮፎርማ መፍለይ ቁፅሪ 18/2018

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ መቐለ ንናይ ቤት ፅሕፈትና መክዝን 2 ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ አቁሑት ተዓዲጉ ንክቐርብ ብደ ቁ 38211/መማግ/ቁ6 ብዕለት 09/04/2018 ዓ.ም ወ/ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንምም/ርን ተዓዲጉ ንክቀርብ ብዝቀረበ ሕቶ ዕድጊት መሰረት ንምዕዳግ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ፕሮፎርማ ትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ሮቅሓ ክተማልኡ ይግባእ፡፡

- ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምቅራብ ዝክዕል ዘይተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘቅረበ ተወዳዳሪ ተቐባልነት የብሉን (ካብ ውድድር ወፃኢ) ይግበር

- ግብሪ ከፋሊ /TIN/ንምኻኑ ማስረጃ ምቅራብ ዝኽእል

- ዘይተማለአ ደኩመንት ተቀባልነት የብሉን

- ናይ ተወዳደርቲ ድርጅት ማሕተምን ፊርማን ይገበር

- እቲ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል ::

ተ/ቑዓይነት ንብረትመጠንመዐቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1ጣውላ በዓል 25 ሳ.ሜ ፣2.5 ሚ.ሜ፣ 4ሜ 1ይ ደረጃብቁፅሪ60
2ቐለመ ውሃ ሰማያዊ ሴንቴቲክጋሎን4
3ናይ ቐለም ብሩሽ በዓል 5 ሳ.ሜብቁፅሪ10
4አንቲረስት 4ሊትሮጋሎን2

NB.

➢ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ መረዳእታ ኮፒ ተገይሩ ተደሓሒዙ ክቀርብ አለዎ

➢ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 10/04/2018 ዓ.ም ክሳብ 13/04/2018 ዓ/ም

➢እቲ ፍቃድ ኮፒ ተደሓሒዙ ክቅርብ አለዎ

ኣድራሻ

ቤት መዛገጃ ክፍለ ከተማ ዓይደር ውርድ ኢልኻ ንርከብ ንዝበለፀ ሓበሬታ

ቤት ፅሕፈትግልጋሎት ማይፍሳስን ከተማ መቐለ 03 ቀበሌ ስ.ቁ.0344407335 ምድዋል ይከአል