https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18771
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕል Water Pump ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 9, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 17, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ታሕሳስ 17, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕል Water Pump ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም።

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ሻት ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መስከረም ወርሒ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2018 ዓ.ም፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር20,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልእዎ ዋጋ መክበሪ ውዕሊ ብምቅራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ ከቅርብ

ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 435 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣ 13.እዚ ጨረታ ዕለት 17/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!