https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18682
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዕደጋ ሓሙስ ንናይ ከተምኡ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑት : ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት : ንፅሬት ዝሕግዙ ኣቅሑትን ካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 30, 2018 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 15, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ኮንስትራክሽን ኣቅሑት 50000 ቅርሺ : ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 15000 ቅርሺ : ንናይ ፅሬት ኣቅሑት 5000 ቅርሺ
  • ቦታ:ዕዳጋ ሓሙስ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:1500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 15, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋነኡ ክተቅር ቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ናይ ምቅረባይነተ ሰርተፊኬት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ መረዳእታ እዋናዊ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከተቅርቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ 14/4/2018 ዓም ሰዓት 11:0 ዘይምለስ 1500 ቅርሺ እናከፈለኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ መዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ምዉሳድ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑት 50000 ቅርሺ : ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 15000 ቅርሺ : ንናይ ፅሬት ኣቅሑት 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ ከትሕዙ ይግባእ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ መዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዝረከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ እዋን ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

7 ሳነዱቅ ጨረታ 15/4/2018 ዓም ዓም ሰዓተ 4:00 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ መዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይክፈት

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ስርዝ ድልዝ እንትሃልዎ ግና ፊርማ ባዕል ዋና ክዓርፎ ይግባእ

9 ተመዝገበቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ እትመለእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ

10 ኣብቲ ዝተመለ ዋጋ ብዛዕባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግበር

11 ኣብ ነብሰ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበሩ ይግባእ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኮቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሳርዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0962574631