https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18368
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ንታሕቲ ተገሊፁ ዘሎ ናይ ደገ ፀገንቲ ቲፕለስ ጎማ መፈወሪ መሽን ዘለዎም ን1 ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ክነፀግን ስለዝተደለና
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 26, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 28, 2018 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/

ቑዕሪ፡ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/29/2018 

ዕለት፡ 26/02/2018 ዓ/ም

ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ንታሕቲ ተገሊፁ ዘሎ ናይ ደገ ፀገንቲ ቲፕለስ ጎማ መፈወሪ መሽን ዘለዎም ን1፥ ዓመት ውዕሊ ኣሲሩ ክነፀግን ስለዝተደለና ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ክኣስር ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡

ፅገና
ተ/ቑ 

መፍለይ

በዝሒነፀላ ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
01ናይ ኣናእሽተይ ተሽከርከርቲን ፎርክሊፍትን ጎማከምኣድላይነቱ
02ናይ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ጎማ
03ናይ ሎደርን ክሬይንን ጎማ
04ናይ ግሬደርን ሮለርን ጎማ

1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ፡ ዳይሬክቶሬት ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 28/02/2018 ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት

3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 1፥ መዓልቲ ክፅግን ጉቡእ ኣለዎ።

4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን(መቕረባይ)ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤

5. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።

6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ

ግልጋሎት ዝረክብን ግልጋሎት ወሃብን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ

7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ብዘይምዕጋኑ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል።

8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።

9. ናይ ዕገና ትእዛዝ ተዋሂብዎ ንክፅግን ፍቃደኛ ዘይኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ትካል ናይ ዕደጋ ውድድር ንዘይተወሰነ እዋን ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፀሓፈሉ "

10. እቲ ንብረት ምስ ተፀገነ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ

11. እቲ ግልጋሎት/ፅገና/ ጉቡኡ እስካብ ዝፈፀመ ሰነ 30/2018 ዓ/ም ግልጋሎት ክህብ ዝሰማማዕ

12. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤