https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18261
ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ማእከላይ ኣብያተ ፍርዲ ዞባ ማእከል ንዝተፈላለዩ አገልግሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት ማለት እዉን መሳርሒ ፅሕፈት : መሳርሒ ሕትመት : ኣናእሽተይ ኣቅሑት : ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ማለት እዉን ኣቅሑት ማሽነሪ መለዋወጢ : ኣቅሑት መኪናን : ንፅገና ገዛን ፅገና ማሽን ዝዉዕል ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 18, 2018 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 5, 2018 03:10 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 5, 2018 03:20 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድሉ ተመዝጋቢ ዝኮነን መረጋገፂ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል እዚ ከየማለአ ዝቀርብ ኣብ ተወዳዳራይነት ዝስረዝ ምካኑ ክፈልጥ ይግባእ

2 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ኣሸናፊ እንተኮይኑ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት አጠናቂቁ ከቅርብ ይግባእ

3 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዐሊ ዝአሰር ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲታት ኮይኑ ዉዕሊ ዝአሰር ናይ ዘሸኖፈ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ጉቢእ አለዎ

4 ቅሬታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲታት ይከዉን

5 ግብሪ ከፋሊ ምካኑ ዝገልፅ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ናይ መቅረበይነት ዝተመዝገብክምሉ ብቅዳሕ ኣብ ተቅርብዎ ፖስታ አተሓሒዝኩም ክተቅርቡ ትክእሉ

6 ዝቀርብ ዋጋ ኣብ ትወስዶወ ሰነድ ዝምለአ ዋጋ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክክወን አለዎ

7 ነዚ ግልፂ ጨረታ ዝርዝር ዝድለ ዓይነት ኣቅሑት ዘርኢ ሰነድ 50 ቅርሺ እናከፈለኩም ካብ ማእከል ኣብያተ ፍርዲ ዞበ ማእከል ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ካብ 17/2/2018 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ መፂእኩም ብምዉሳድ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 5/3/2018 ዓም ቅድሚ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 300 ኣብ ዘሎ ግዜ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ የእትዉ

8 እዚ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 5/3/2018 ዓም ሰዓት 3:10 ንጉሆ እዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:20 ኣብ ዞበ ማእከል ማእከላይ ቤት ፍርዲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ይክፈት

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም

10 ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ከቅርብ ዝክእል

11 እቲ ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክቀርቡ ዝክእሉ ምካኖም ንገልፅ

12 ቤት ፅሕፈና ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ዝተረከበ ግዜ ካብ ሕድሕድ ንብረት ክሳብ 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ዝክእል ምካኑ ክፈልጥ ይግባእ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347753596