https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18160
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ አድያቦ ብፕሮጀክት UNDP ዝክፍል ንዝተፈለለየ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት እዉን መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክትሪክ: ኮምፒተርን ኮምፒተር ኣስከሰሰሪን : ናይ እንስሳት መድሓኒት ናዉቲ ህክምናን : ናይ ቢሮን ገዛን ፈርኒቸር ኣቀሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክድዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 7, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 21, 2018 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ቢሮን ገዛን ፈርኒቸር ናይ እንስሳት መድሓኒት ናዉቲ ሕክምና ኣቅሑት 3000 ቅርሺ:ናይ ኮምፒተር ኣክሰሰሪን 5000 ቅርሺ
  • ቦታ:ታሕታይ ኣድያቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 21, 2018 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ገዛ ፈርኒቸር/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ እንስሳት ምድሃኒታትን መሳሪሕታትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በቲ ዝተገለፀ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም

2 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ዝከፈልምሉን ናይ 2017 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደስኩም : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ወርሒ ሐምለ 2017 ዓም ተወሳኪ እሴተ ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ሪፖርተ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : በቢ ዘፈሩ ነቲ ዘርፊ ዝገልፅ ናይ 2017 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬተ ወረቀት ምስክር ምቅራብ ዝክእል

4 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀትን : ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ወረቀተ ምስክር ዝተሐደሰ መቅረባይነት : ናይ ተወሳኪ ሐምለ 2017 እሴት ታክስ ዲክለረሽን : ናይ ግብሪ ከፋለይ መለለይ ቁፅሪ ብግልፂ ዝረአን ክከዉን አለዎ

5 ኣብ መንግስታዊ ትካል ኣብ ዝኮነ ይኩን ዝተአገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

6 ከይዲ ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

7 ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ካብ ነብሰወከፈ ነፃላ ኣቅሓ በጀት መሰረት ዝገበረ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ምቅንስ መሰል ከምዘለዎ

8 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

9 ናይ መወዳደሪ ሓሳብ መቅረቢ ብቆንቆ ትግራኛ ይከዉን

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ካብ ዕለት 8/2/2018 ክሳብ ዕለት 21/2/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ 200 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክአሉ

11 እቲ ጨረታ 21/2/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 4:30 ቅድም ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ወይ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን እምበር ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዛይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣተኣጎጎልን

12 ተጫረቲ ናይ ቢሮን ገዛን ፈርኒቸር ናይ እንስሳት መድሓኒት ናዉቲ ሕክምና ኣቅሑት 3000 ቅርሺ:ናይ ኮምፒተር ኣክሰሰሪን 5000 ቅርሺ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

13 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፈለጠሉ ብጠለብና መሰረት ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ መቅረባይ ይከዉን

14 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ወይ ባራፍ ክግበረሉ አለዎ

15 ተጫራታ ሰዒርካ ካብ ተባሂለካ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ ናይ ሰለሰተ ቅሬታ መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእል ካብቲ ጠቅላላ ዝሰዓሮ መጠን 10 ሚእተዊ መክብሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

16 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ኣብ ዝተዉሃቦ ግዜ ገደብ ኣታዊ እንተዘገይሩ ካብ ኣታዊ ካብ ዘይገበሮ ንብረት በበዒመዓልቲ 10 ሚእታዊ ዝበፅሕ ይቅፃዕ ካብኡ ዝሐለፈ ብመምርሒ ዕደጋ ተፈፃሚ ይከዉን

17 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 40 ተካታተልቲ መዓልቲታት ጥራሕ ይከዉን

18 ተጫረቲ አብ ተቅርብዎ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ሽም ፊርማን ማህተምን ክግበር አለዎ

19 ሰዓራይ ንቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ብት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቢሮ ቁፅሪ 5 ኣተዊ ዝገብር

20 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0984995739 / 0914506182 / 0914134104