https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/18074
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንሰልጠንቲ መመረቒ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 28, 2018 ( ቅድሚ 5 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 30, 2018 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 3, 2018 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1172/18

ዕለት 28/01/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 05 /2018 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንሰልጠንቲ መመረቒ ግልጋሎት ዝውዕሉ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI No/ ዘለኩም፡፡

3/ ናይ 2018/2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም፡፡

4/ 3% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል ።

5/ ዝቐርቡ ናይ ፕሮፎርማ መወዳደሪ መረዳእታታት ብደምቢ ዝንበቡን ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም።

6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ኮሌጅና መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምም/ን ቢሮ ቑፅሪ 08 ካብ ዕለት 28/01/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/01/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእሉ።

7/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 30/01/2018 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11:00 ተዓፅዩ ዕለት 03/02/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ዝኸፈት ኮይኑ ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለትን ስዓትን ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

8/ ስዓራይ ምስተፈልጠ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብናይ ባዕልኹም መጉዓዝያ ናብ ኮሌጅና ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም ።

9/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 7 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ።

11/ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተቐመጠ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ኣይፍቀድን።

12/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92_ ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ፡፡