https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17884
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮደ/ከ/ስራሕ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ናይ ኮምፒተር፣ፕሪንተር፣ፎቶ ኮፒን ካልኦት ማሽነሪ ኣቁሑትን ንምፅጋን ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣእሲሩ ከስርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 23, 2017 ( ቅድሚ 6 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጳጉሜን 3, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:ዉቅሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጳጉሜን 3, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ዝርገሐ ኔትዎርክን ፅገና/

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮደ/ከ/ስራሕ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ናይ ኮምፒተር፣ፕሪንተር፣ፎቶ ኮፒን ካልኦት ማሽነሪ ኣቁሑትን ንምፅጋን ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣእሲሩ ከስርሕ ይደሊ። ስለዚ ኣብ ታሐቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ሀ. ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት/ረቋሒታት/

1. በቲ ዓውደ ስራሕ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከምኡ እውን ቲን ናምበርን ኣብ ትልምን ፋይናንስን ብመቅረባይነት ዝተመዝገቡን ኦሪጂናልን ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2. ንጨረታ መክበሪ ትሕጃ ብር 2000 /ክልተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ/CPO/ ከትሕዝ ዝክእል

3. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ምኳኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 8 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ጥራሕ ይወዳደር

4. ጨረታ ዝሰዓረ ውዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ንውሕስና ኣፈፃፅማ ስራሕ /መኽበሪ ውዕሊ/ ክትሕዝ ዝክእል።

5. ተጫረትቲ ካብ ዝተመልአ ዝርዘር ዋጋ ድምር ዝተሓተ ብምውሳድ ሰዓራይ ዝኸውን ምኳኑ ኣሚኖም ክወዳደሩ ዝክእሉ

6. ተጫራታይ ፕሪንተር፣ኮምፒተር ወይ ካልእ ማሽነሪ እንትበላሸው ብቀረባን ኣብ ዝተፀውዕሉ ከቦሪ /ክፅግን/ ዝክእል ጥራሕ ይወዳደር

7. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 23/12/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 03/13/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮ ደ/ከ/ስራሕ ዕደ/ፋይ/ ንብ/ምም/ርን ምውሳድ ይከኣል

8. እዚ ጨረታ ዕለት 03/13/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት

ለ. ናይ ተጫረትቲ መምርሒ

1. ተረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ ኣቀሚጦም ኣብ ዝተዓሸገ ፖሰታ ኮፒን ኦሪጂናልን ኢሎም በበይኑ ከቅርቡ ይግባእ

2. ተጫረትቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዶኩመንት ሽሞም/ሽም ትካሎም/ ፊርመኦምን ማህተምን ከዕርፉ ኣለዎም

3. እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረትቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጌሩ ንቐፃሊ ከይሳተፍ ይገብር

4. ተረትቲ ድሕሪ ሳፁን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ እውን ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን/ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን/

5. ተጫረትቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሕቶ መብርሂ / ወይ መማሓየሺ እንተሃልይዎም ናይ ጨረታ መኽፈቲ 5 መዓልቲን ልዕሊኡን እንትተርፎ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብፅሑፍ ከቅርቡ ዝኽእሉ ምኳኖም

6. ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን

7. ሰዓራይ ምኳኑ ዝተነገረሉ ተጫራታይ እቲ ውዕሊ ክሳብ ሰነ 30/10/2018 ዓ/ም ውዕሊ ዝኣስር /ዝፀንዕ/ እዩ

8. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።