
ቑፅሪ ዕክንም1190/23/1/01
ዕለት 05/10/17ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ
/ፕሮ- 62
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዳይሬክተር ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳር | ንቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑትን ናይ መስተንግዶን በፕሮፎርማ አዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝሓቶ መሰረት
1. ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቕረብቲ ዝተመዝገብኩምሉ መረጋገፂ ቲን ናምበር ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ተቕርብዎ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ ብፓስታ ኣሺኩም ካብ ዕለት05/10/17 ክሳብ 09/10/17ዓ.ም ሰዓት 11:30 ናብ ቑፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ:: ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 10/10/17ዓ.ም ሳዓት 02:30 ዝኸፈት ምዃኑ ንገልፅ::
2. እቲ ዝቐርብ ኣትሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊክሽን መሰረትን ኦርጅናልን ክኸውን ኣለዎ
3.ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ – ኣብ ውሽጢ 3 ተካታታሊ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቅርብ ዝክእል
4. ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተረክቡ ትኽእሉ ምዃንኩም እረጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ ሳግራይ ምስተበሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ትካል አብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸዉን
5. አብ ዘይምልከቶ ዘርፌ ንግዲ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይግበር
6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓለ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን7 ስራሕ መዓልታት ጥራሕ ይከውን
7. እቲ ጊዚያዊ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር/ ኣብ ዘውፅኦ በዝሒ ምቕናስ ውይ ምውሳቤ በሉ . ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
8. ንዝድለ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብሰልኪ ቑፅሪ 0344-406451/0914732577 ምሕታት ይካአል