https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17304
ሞገድ ኢንጂነሪንግን ኮንስትራክሽንን ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ኣብ ከተማ መቀለ ክ/ከተማ ሓድነት ጣብያ ስምረት ንዝሃንፆ ናይ ንግዲ ህንፃ ናይ ጅብሰም ቻክ ስራሕቲ ብናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ደረጃ GC-8ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቓድ ዘለዎም ኣብ ካልኦት ፕሮጀክትታት ብተመሳሳሊ ዝሰራሕኩም፤ ተኮናተርቲ ዝኮንኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከሰርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 22, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 10:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 11:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/ ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/

ዕለት:-22/09/2017 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ሞገድ ኢንጂነሪንግን ኮንስትራክሽንን ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ኣብ ከተማ መቀለ ክ/ከተማ ሓድነት ጣብያ ስምረት ንዝሃንፆ ናይ ንግዲ ህንፃ ናይ ጅብሰም ቻክ ስራሕቲ ብናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ደረጃ GC-8ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቓድ ዘለዎም ኣብ ካልኦት ፕሮጀክትታት ብተመሳሳሊ ዝሰራሕኩም፤ ተኮናተርቲ ዝኮንኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከሰርሕ ይደሊ።

➢ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ከማልኡ ኣለዎም።

1. ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ብቕዓት መረጋገፅን መቅረባይነት ሰርትፊኬት።

2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፊኬት /ደረጃ ስራሕ ፍቓድ / መረዳእታ ከቕርብ ዝኸእል ።

3. ናይ VAI ምዝገባ ወረቐት ምስክር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ቫት ዲክለራሽን መረዳእታ ዘለዎ።

4. ናይ ጨረታ ውሕስና ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ (unconditional guarantee) CPO ብር 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ከትሕዝ ዝክእል።

5. ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23/09/2017 ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ናይሌክስ ህንጻ ጥቃ ዓብዪ ንግዲ ባንክ ዘሎ 1ይ ደብሪ ቢሮ ብምምፃእ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ።

6. ተጫረቲ ናይቲ ፕሮጀክት ዋጋ (ፋይናንሻል) ዶክመንት ኦርጂናልን ኮፒን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኣብቲ ናይ ድርጅትና ቤት ፅሕፈት ቢሮ ክሳብ ዕለት 27/09/2017 ዓ/ም ናይ ምሸት ሰዓት 10:30 ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

7. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀርቡ ቅጥዒ ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ከቕርቡ ይግባእ ። ኣብቲ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ተቐባልነት የብሉን ።

8. እቲ ጨረታ ዕለት 27/09/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 10:30 ተዓፂዉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ድማ ኣብቲ ናይ ድርጅት ቢሮ ይኽፈት ።ኣብ ትካልና ብኣካል ናይ ዘይተረከበ ተጫራታይ እውን ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

9. ሞገድ ኢንጂነሪንግን ኮንስትራክሽንን ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ናይሌክስ ህንጻ ጥቃ ዓብዪ ንግዲ ባንክ ዘሎ 1ይ ደብሪ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁዕሪ ስልኪ 0912024488 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል።

11. ተጫራታይ ቅድሚ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብኣካል ከርኢ ዝኸእል።