https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17299
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ግልጋሎት መፅናዕቲ (consultancy services) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ግልጋሎት መፅናዕቲ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 21, 2017 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 28, 2017 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 28, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ሌጋል ኮንሳልታንሲይ/ ኣካዳሚይ ኮንሳልታንሲይ/ ኢንጅነሪንግ ዝዛመድ ኮንሳልታንሲይ/ ኦርጋኒዜሽን ኮንሳልታንሲይ/ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኮንሳልታንሲይ/

ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ግልጋሎት መፅናዕቲ (consultancy services) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቐረብቲ ዝኾንኩም ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/09/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/09/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዳደናግል ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 28/09/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::