https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/17258
ኮሌጅ ሕርሻ ማይጨዉ ኮሌጅ አገልግልት ዝዉዕሉ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት : መድሓኒት እንስሳት :ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ :ናይ ትራክተር መኪና መለዋወጢ አቅሑት : ኣቅሑት ማይ : ኣቅሑት ኤሌክትሪክ : ናይ ዘርኢ ኮሚደረን : መሳርሒ ህንፃን ብግልፂ ጨረታ አወደዳሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 14, 2017 ( ቅድሚ 10 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 27, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ሕርሻ ጥረ ኣቁሑትን ኣቅርቦትን/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ እንስሳት ምድሃኒታትን መሳሪሕታትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ አተሓሒዙ ዘቅርብ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎን

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓም ሒሳበ ዝገበረሉ መረዳአታ ዘቅርብን

4 መረዳአታ መቅረባይነት ዘለዎን

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ከቀርብ አለዎ

6 ሰዓራይ ጨረታ ተኮይኑ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ሰራሕ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅ ሕርሻ ማይጨዉ ብፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

7 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓርክምዎ ንብረት ሐደ ዓይነት ዋጋ ዘቅረቡ ተጫረቲ ብዕፃ ዝፍለ ይከዉን

8 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

9 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት ቫት ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

10 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ሕርሻ ማይጨዉ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 2 ብሎክ  ሀ 25 ምዉሳድ ትክእሉ

11 እቲ ጨረታ 12/9/2017 ዓም ክሳብ 26/9/2017 ዓም ሰዓት 11:00 እንዳመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

12 እቲ ጨረታ 27/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶ ኣበ ዝረከበሉ ይክፈት

12 መከበሪ ጨረታ 2000 ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ብጥረ ገነዘብ ከትሕዝ ዝክእል

13 ዝተወዳደርሉ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ ክትክእሉ አለኩም

14 ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ድማ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ፊርማን ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ  ኣታዊ ክክዉን አለዎ

15 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዓቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምካኑ ኣስተዉዒሎም ዋጋ ይምልኡ

16 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሳራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347770388