https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16844
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት እውን ናይ መኪና መለዋወጢ እቕሑት ፣ ናይ ኤሌክትሪክ እቕሑት ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት ፣ ናይ ቢሮ ኣቕሑት /ፈርኒቸር ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑትን ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 18, 2017 ( ቅድሚ 12 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 10, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ብቢ ሎቱ ይፈላለ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:300
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 10, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 01/2017 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት እውን

1. ናይ መኪና መለዋወጢ እቕሑት

2. ናይ ኤሌክትሪክ እቕሑት

3. ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት

4. ናይ ቢሮ ኣቕሑት /ፈርኒቸር

5. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑትን

6. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ( መምርሒ ተጫረቲ ) እተማልኡ ተጫረቲ ኣብ ኮሌጅና እናመጫእኹም ሰነድ ጨረታ

ብምውሳድ ክትወዳደሩ ትኽእሉ።

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ክፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም።

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም ።

4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

5/ ናይ VAI(ተወሳኺ እሴት ታክስ) ተመዝገብቲ ዝኽንኩምን ናይ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ/ም ዲክላሬሽን ክተቕርቡ እትኽእሉን።

6/ ነዚ ግልፂ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምላስ ብር 300( ሰለስተ ሚኢቲ ብር ) ብምኸፋል ካብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ( መሰረተ ካምፓስ) ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ካብ ዕለት 17 / 07/ 2017 ዓም ክሳብ ዕለት 09/08/2017 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 11፡00 ብምውሳድ ኣብ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም እርጂናልን ኮፒን ብምባል ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ትኽእሉ።

7/ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ዋጋ ፦

7.1. ንፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑት - 5000 ( ሓሙሽተ ሽሕ ብር )

7.2. ንህንፃ መሳርሒ ኣቅሑት -- 6000 ( ሽዱሽተ ሽሕ ብር )

7.3. ንመኪና መለዋወጢ ኣቅሑት -10000 ) ዓሰርተ ሽሕ ብር )

7.4. ንፈርኒቸር ኣቕሑት -6000( ሽዱሽተ ሽሕ ብር )

7.5. ንኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት -- 3000 ( ሰለስተ ሽሕ ብር) 

7.6 ንኤሌክትሪክ ኣቅሑት -- 4000 ( ኣርባዕተ ሽሕ ብር)

ኮይኑ ጨረታ መኸበሪ ዋጋ ብ CPO ፣ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ትኸእሉ ።

8/ ተጫረቲ እተቕርቡዎም ዶኩሜንታት ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ብግልጺ ዝንበቡን ክኾኑ ኣለዎም ።

9/ ተጫረቲ ንፕሪንተራትን ንፎቶ ኮፒን እተቕርቡዎም ቀለማት ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሲሪያል ( Serial No.) ዘለዎ ኦርጂናል ኮይኑ ን 6' ወርሒ ውሕስና( ጋራንቲ ) ክትህቡ እትኽእሉ ።

10/ እቲ ጨረታ ዕለት 10/08/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓዕዩ/ተዓሽጉ/ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት ። ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ግን እቲ ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ።

11/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

12/ እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ከሳብ 20% ክውስኸ ወይ ድማ ክቕንስ ይኸእል እዩ።

13/ ተጫረቲ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳርኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ናብ ኮሌጅና እተቕርቡ ይኸውን ።

14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።