https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16599
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቕሑት ፣ ናይ ፅሬት ኣቅሕት ፣ናይ ሕርሻ ቀረባትን ውፅኢትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 19, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 24, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ የካቲት 24, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ሕርሻ መሺነሪ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 06/2017 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቕሑት ፣ ናይ ፅሬት ኣቅሕት ፣ናይ ሕርሻ ቀረባትን ውፅኢትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም።

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዘለኩም ።

4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

5/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ( ዝረአዩ )ክኾኑ ኣለዎም።

6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 19/06/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 21/06/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።

7/ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 24/06/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።

8/ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

9/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

10/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7 ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን፡፡

12/ ኣብ ናይ ፕሮፎርማ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ምግባር ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ብዝብል ምምላእ ኣይፍቀድን "

13/ ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ (ምእታው) ኣይከኣልን።

14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።