https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16112
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክገዝእ _ ስለዝደሊ _ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩምን ንግዲ ፍቓድ ዘሐደስኩምን ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 11, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 14, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ታሕሳስ 14, 2017 04:10 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክገዝእ _ ስለዝደሊ _ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩምን ንግዲ ፍቓድ ዘሐደስኩምን ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ነጋዶ ዘማልእዎ ረቃሓታት

1. ናይ ናይ 2017 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሓደሰ

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

4. ተጫረቲ ንብረት ዘቅርብዎ ዕርየቱ ዝሓለወን በቲ ዝተገለፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ክኸዉን አለዎ::

5. ካብ ናይ ባዕልና ስፔሲፊኬሽን ወፃኢ ምቕራብ አይፍቀድን

6. ዝወፀ ስፐሲፊኬሽን ዘይተረደኦ ተጫራቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ምርዳእ ይከአል፡፡

7. ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ዝወፀሉ ዕለት 11/04/2017 ዓ/ም - 14/04/2017 ዓ/ም ይኸውን::

8. ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት14/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00

9. ተጫረቲ ንዘሸነፍዎ ኣቕሓ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አንስትዮ ትግራይ የቕርቡ

10. እቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ማደኣት ቢሮ ቁፅሪ 15 እናመፃኩም ምውሳድ ትክእሉ::