https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15396
ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናስን ወረዳ ሰለዋ ንወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮ ኣቅሑት ፈርኒቸር : ኤሌክትሮኒክስን ሞተር ሳይክልን ካብናይ UNDP ዝተመደበ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 27, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 5, 2017 02:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:30000
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:400
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 5, 2017 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

ኣብቲ ጨረታ ምስታፍ ትደልዩ ካብ 20/1/2017 ዓመ ክሳብ  4/2/2017 ዓም  ኣብ ተከታታሊ መዓልቲ ዘይመለሰ  400 ቅርሺ ብምክፍል ኣብ ዝተዳለወ  ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናስን ወረዳ ሰለዋ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር  ንብረትን ብምዉሳድ  ክትጫረቱ እንዳዓደምና

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ክሳብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት መረዳእታ ዘቅርብ

5 መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ቢሮ :  ኤሌከትሮኒክስ  :  ሞተርሳይክልን ነኒሕድሕድዱ 30000 / ሳላሳ ሽሕ ቅርሺ / ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

6 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ ብመሰረት በጀት 20 ሚእታዊ ናይ በዝሒ ወሰክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ

7 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ጨረታ ሳንዱቅ 5/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 2:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ናይ ቢሮ ኣቅሑት ወይ ፈርኒቸር ጨረታ ሳንዱቅ 5/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ናይ ሞተር ሳይክል ጨረታ ሳንዱቅ 5/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ