https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15308
ናይ ከተማ ሸራሮ ማይኒ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ናይ በጀት ዓመት 2017 ዓም ነቲ ሆስፒታል አገልግሎት ዝዉዕል ንብረታት ደንቢ ልብሲ : መሳርሒ ፅሕፈት : ስራሕቲ ሕትመት : ኣቅሑት ፅሬት: ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት : ናይ ኤለክትሪክ ህንፃ ተገጣጠምቲ ንብረታት ኮምፒተራትን ተዛመድቲ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 17, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 30, 2017 02:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ሽራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 30, 2017 02:31 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነትን ዘለኩም

2 ተወስክቲ እሴት ታክስ ምካንኩም ዝገልፅ ምስክር ወረቀትን ናይ 2016 ዓም ናይ ወርሒ ሰነ ሒሳብ ዘቅረብክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ከፋላይንተ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩምን

4 ንመከበሪ ጨረታ 10000 / ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ / ከምእዉን ተወዳዳራይ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ አብ ኩነታት ዘይትመስረት ጨረታ ዉሕስና ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ከትሕዝ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 15/1/2017 ዓም ክሳብ 30/1/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ሓፈሻዊ ሀስፒታል ማይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ትክእሉ

6 ሰዓራይ ምካንኩም ስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክትኣስሩ ትክእሉ

7 ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስ ናይ ዋና መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ናብ ዕድጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሀስፒታል ማይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ አብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ትክእሉ

8 ተወዳዳርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ናብ ሓፈሻዊ ሀስፒታል ማይኒ ንብረት ክፍሊ ከረክቡ ዝክእሉ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ከም መተሐሳሳቢ ድማ ኣብቲ ናይ ባዕሎም መቅረቢ ዝርዝር ሰንጠረዥ ብፅሬትን ብፅሕፈትን ክምላእ ድማ ሆስፒታልና ማይኒ ገሊፁ አሎ