https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15193
ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ 1. ፈሳሲ ዘይቲ ብልዒ 2. ናይ ፅሬት መሳርሒ 3. ናይ ምግቢ መብሰሊን  4. ሓጋዛይ ድምፂ መስምዒ /hearing aid/ ካልኦትን ኣወዳዲሩ ንምግዛእሰለ ዝደለየ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 30, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ 5, 2016 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2016 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናገዛ ኣቁሑት/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ መድሓኒት ምህርቲ/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኳን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ:: በዚ መሰረት ድማ ትካልና ናብ ተጠቀምቲ ዝባፃሕ እታወት

1. ፈሳሲ ዘይቲ ብልዒ                               2. ናይ ፅሬት መሳርሒ

3. ናይ ምግቢ መብሰሊን                       4. ሓጋዛይ ድምፂ መስምዒ /hearing aid/

ካልኦትን ኣወዳዲሩ ንምግዛእሰለ ዝደለየ ነዙይ መሰረት ገይርኩም እዞም ዝስዕቡ ሮቃሕታት

እተማልኡ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም::

1. ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ጥቃ ዓይኒ ሕክምና ክወስዱ ዝኽእሉ።

2. እቲ ጨረታ ዕለት 5/13/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ተዓፅዩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቅሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ይኸፈት፡፡