https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/15006
ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ግልፂ ጨረታን ፕሮፎርማን ዓይነታት ንብረትን ግልጋሎትን ክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሓምለ 20, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 29, 2016 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሓምለ 29, 2016 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት ሞተርሳይክል/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምካን ኣብ 12' ወረዳታት ትግራይ ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ:: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ግልፂ ጨረታን ፕሮፎርማን ዓይነታት ንብረትን ግልጋሎትን ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ሞተር ሰይክል ን2ይ ግዘ ዝወፀ

2 ፋፋ ንፋብሪካ ጥራይ ን2ይ ግዘ ዝወፀ

3 ሕሩፅ ፊኖ ንፋብሪካ ጥራይ ን2ይ ግዘ ዝወፀ

4 ፅሕፈት መሳርሒ

5 ምግቢ መብሰሊ(cooking materials)

6 ጨርቃጨርቂ

7 ናይ ፅዕነት መኪና ክራይ

8 ናይ ሰብ/ተጓዓዝቲ መኪና ክራይ

9 ናይ ፅሬት መሳርሒ

ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19/11/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ምድር ቤት ክፍሊ ኦፐሬሽን ብዘይክፍሊት ምውሳድ ይከኣል፡፡

ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።