https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14901
ክፍሊ ዕደጋ ግንባር ሰሜን ምብራቅ ን2016 በጀት ዓመት ንህንፃ መሳርሒ ዝውዕል ፅርየቱ ዝሓለወ ቀርቀሮ:ባህርዛፍ:ሚስማርን ቦንዳን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 24, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰንበት ሰነ 30, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:250.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት ሰነ 30, 2016 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

ምልክታ ጨረታ

ዘ/ፋ/ግ/ሰ/ምብ/ግ/ጨ/ቁ 002/2016

ክፍሊ ዕደጋ ግንባር ሰሜን ምብራቅ ን2016 በጀት ዓመት ንህንፃ መሳርሒ ዝውዕል ፅርየቱ ዝሓለወ ቀርቀሮ: ባህርዛፍ: ሚስማርን ቦንዳን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ኣብቲ ዘርፊ እትነጥፉ ነጋዶ፦

➢ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰተፊኬት (TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም ንኽትሳተፉ ይዕድም።ብምዃኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ብር 250.00 (ክልተ ሚኢትን ዓሰርትን ብር ጥራሕ) ብምኽፋል ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ግንባር ሰሜን ምብራቅ ዓዲ-ሓውሲ ጎኒ እናት ባንኪ ዝርከብ ቢሮ እዚ ጨረታ ፃውዒት ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 21/10/20016 -/30/10/2016 ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትዉ ከም ትኽእሉ ይገልፅ፡፡ እዚ ጨረታ 30/10/2016 ረፋድ ሰዓት 4፡30 ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 5፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

• ንተወሳኺ ሓበሬታ 0914593549