https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14774
ኮርፖሪሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ካብ ናይ ዉሽጢ እቶት በጀት ሞተር ሳይክል : ኮምፒተርን : ፕሪንተርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 5, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 21, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 21, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 በዚ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ከምእዉን ብመምርሒ መሰረት ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረል ዝሐለፉ ሰለሰተ አዋርሕ ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 በቲ ዘፈር ብመቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምካኖም ዘመላክት መረዳእታ ከምእዉን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዘለዎም

5 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህትመን ፊርማን ዘለዎ ክከዎን ይግባእ

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታን ዝርዝር ጨረታ ካብ ኮርፖሪሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ የኒቨርስቲ ኮሌጅ ሪፍት ቫሊ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 204 ካብ 6 ሰነ 2016 ክሳብ 21 ሰነ 2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ንሰነድ ጨረታ 100 ቅርሺ ብምክፋል ክትወዳደሩ ትክእሉ

7 ተጫረቲ መከበሪ ዉሕስና ጨረታ 15000 ቅርሺ ብሽም ኮርፖሪሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ብስፒኦ ወይድማ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእሉ

8 እቲ ጨረታ 21 ሰነ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኮርፖሪሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0342417506 / 0945520699