https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14546
ማእከል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓም ንህንፃ መሳርሒታትን ፡ ብረታት መፀገኒን ናይ ፡ ኤሌክትሮኒክስ ፡ ናይ ቢሮ ኣቅሑት ተገጣጠምትን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 14, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 26, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 26, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲን ዝተሐደሰ መለለይ ከፋላይ ግበሪ ወረቀት ምስክርን ዘለዎ መቅረባይነት ካርዲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

2 እዚ ጨረታ ካብ 12 /9/2016 ዓም ክሳብ 26/9/2016 ዓም ኣብ አየር ፀኒሑ ዕለት 27/9/2016 ዓም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ተዓፅዩ መክፈቲ ጨረታ ድማ ልክዕ ሰዓት 4፡30 ንጉሆ በዓሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም በዘይ ምህላዎም ጨረታ ኣይተዓናቀፍን ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ እዉን አይህልዉን

3 እዚ ዋጋ ፀኑዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ን 15 ተከታተልቲ መዓልቲ ምካኑ ክፈልጡ አለዎም

4 ተዓዋቲ ተጫራታይ ተዓዋታይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ዉሽጠ 15 መዓልቲ በናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፍን ናብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ከቅርብ ዝክእል

5 እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእከል ራያ ኣላማጣ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 4፣ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣክል

6 መከበሪ ጨረታ ንነብስወከፎም 10000 / ዓሰርተ ሽሕ / ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣቀዲሙ ከትሕዝ ዝክእል

7 እቲ እትመልእዉ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ኣብ ነብሰወከፍ ገፅ ፊርማ ሽምን ማህተምን ብምግባር እቲ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ነኒበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ቢሮ ቁፅሪ 4 ከእትዉ አለዎም

8 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ምስተፈለጠ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምጭብርባር ዝፈተነ ተጫረቲ ካብቲ ጨረታ ዉድቂ ኮይኑ ብሕጊ ክሕተት ምካኑ ክፈልጥ ይግበጋእ

11 እቲ ዘእትዉ ንብረት ልዕሊ 10000 እንተኮይኑ 2 ሚእታዊ ዝከፍሉ ምካኖም

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0925458829  / 0937007036