https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/14428
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቕሑትን ናይ ፅሬት ኣቕሑትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 1, 2016 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 5, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 5, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

ቑፅሪ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር/1400/ሀ-01 

ዕለት 30/08/2016 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 10/2016 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቕሑትን ናይ ፅሬት ኣቕሑትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም።

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ።

3/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

4/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ( ዝረአዩ ) ክኾኑ ኣለዎም።

5/ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 30/08/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 02/09/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን

መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።

6/ እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 05/09/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።

7/ ተጫራቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

8/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3* ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

9/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለትጀሚሩን 7' ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን፡፡

11/ ኣብ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ኢልካ ምምላእ ኣይፍቀድን።

12. ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ ኣይከኣልን። ተራ 13/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።