https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13728
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ጀኔሬተር አቁሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 20, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 22, 2016 11:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 23, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ጀኔሬተር አቁሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ። መቕረብቲ ካብ ዕለት 20-22/05/2016 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 23/05/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን። ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ።

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ - ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ 

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካአል።