https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13628
ኢንተፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ስራሕቲ ኮር ድሬሊንግ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ በቲ ስራሕ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 3, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 10, 2016 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 10, 2016 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/ ስራሕቲ ማይ/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

1 ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 መረዳአታ መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈላነት ግብሪን ዝሐዘ ቅዳሕ ከታሓሕዝ ዝክእል

3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ መረዳእትኡ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 ብተወሳኪ ዘቅርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

5 መረዳእታ መረጋገፂ ብቅዓት ካብ ዝምልከቶ ኣካል ዝተዉሃበ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

6 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ 10000 / ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ / ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ሐደ ዋና ምስ ሐደ ቅዳሕ ፈላልዩ ብሽምዒ ብምዕሻግ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይግባእ

8 ዝርዝር ስራሕቲ ኮር ድሪሊንግ ዝሐዘ ሰነድ በዓል 97 ገፅ መረዳእታ ንዝደሊ ተወዳዳራይ ጨረታ ቅድሚ ምዕፃዉ ኣብ ዘለዎ ተከታተልቲ 5 መዓልታት ብኣካል ወይ ብፅሑፍ ምቅራብ ይከኣል

9 ጨረታ 10 ጥሪ 2016 ዓም ሰዓተ 5:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከፈት

10 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914742142