https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13411
ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ መቐለ ከይዲ መንገዲ ፕሮጀክት ናይ ሮድ ማርኪንግ ስራሕ ብንኡስ ስራሕ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 26, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2016 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:5
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/

1 ናይዚ ዓመት ዝተሐደሰ ሕጋዊን ዝተዛመደ ፈቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ካፋሊ ግብሪ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምኮንኩም እዉን መረዳአታ ምስቲ ሰነድ ብቅዳሕ ክተትሓዙ ይግባእ

2 ተጫረቲ እዚ ዝነኣሰ ሐደ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሕሉን ጠቅላላ ተኮናተርቲ ደረጃ ኣርባዕተን ልዕሊኡን ህንፃ ስራሕቲ ተኮናተርቲ ደራጃ ሰለስተን ልዕሊኡን ወይ እዉን ፍቃድ ስራሕ ሮድ ማርኪንግ ዘለዎ ክኮኑ ይግባእ

3 ተጫረቲ ንጨረታ ካብ ዝተዳለወ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 17 ታሐሳስ 2016 ዓም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 5 ቅርሺ እናከፈልኩም ላጪ ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን ዲዛይንን ክፍሊ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይግባእ

4 ተጫረቲ ዝወዳደሩ ዋጋ ቴክኒካልን ፕሮፖዛል ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ወይ እዉን ፖስታ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ብጨረታ ሰነድ ዝተቀመጠ መሰረተ መሊእኩም ማሕተምኩም ገይርኩም ክሳብ 17 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ላጪ ኣብዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትካል ክተቅርቡ ይግባእ

5 እቲ ቴክኒካል ፕሮፖዛል ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብቲ ትካል ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝክፈት ኮይኑ ዝተከበ ይኩን ዘይተረከበ ተጫራቲ በቲ ዉዕሊ ተገዛኢ ይከዉን

6 እቲ ፋይናንሻል ወይ እዉን ዋጋ ድማ 19 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

7 መከበሪ ጨረታ 100,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ግዘ ከቅርቡ ይግባእ

8 ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ኣድራሻ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሱር ኮንስትራክሽን መቐለ ላጪ ዝርከብ ቢሮ