https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13395
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓውዜን ካብ በጀት UNDP ብማሕበር ተወዲብኩም መስኖ ንተልምዑ ን ቤት ዕሕፈት ሕርሻ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ 2016 ሞተር ማይ ምስ አክሰሰሩ/ መለዋውጢ/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ንደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 18, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 28, 2016 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:ሓዉዜን
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 28, 2016 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘሎው ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ወረቅት ምስክር መቅረባይነቱ

2 ናይ 2015 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈለን ተውሳኪ እሴት ታክስ ዚኮነ ናይ ወርሒ ሓምለ 2015 ናይ ተውሳኪ እሴት ታክሲ ዘፍለጠሉ ከቅርብ ዝክእል

3 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መክበሪ 10,000 ሽሕ ብጥረ ገንዘብ ወይም ሲፒኦ ከድሕዝ ዝክእል

4 ናይ ጨረታ ዝርዝር ካብ 18/03/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ብምዕዳግ እብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ብምምላእ ናዋን ቅዳሕን አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ብምዕሻግ ፊርማን ማሕተምን ተገሪሉ አብ ቤት ፅሕፈት ልምዓትን እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓውዜን ቁፅሪ 1 እብ ዝተዳላወ ሳንዱቅ ጨረታ ከታቱ

5 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፅውሉ ድማ 28/0/2016 ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ሽኡ ንሽኡ ሰዓት 8፡30 ይክፈት አብ ቤት ፅሕፈት ልምዓትን እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓውዜን ቁፅሪ 1 ይክፈት

6 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከአል

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡

8 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛበዐ ወይ ከጭበርብር ዝሞከረ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መከበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ዕደጋን ንብረትን መምርሕን ድንጋገን ብሕጊ ተሓታቲ ይከውን፡፡

9 እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ ተዘይኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መ/ቲ ካዝና ኣታዊ ይከውን፡፡ በተወሳኪ ብመመርሒ ዕደጋ እውን ይሕተት፡፡

10 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ናይ መከበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ይምለሰሉ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-101196/ 091413 8946 ምድዋል ይከኣል፡፡