https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/13374
ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳርን ኣብያቲ ክልል ትግራይ ንቤት ዕዮና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ስፔር ፓርትን አቁሑት ኮንስትራክሽን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 20, 2016 (ልዕሊ 2 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 27, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:ንመሳሪሒ ፅሕፈት ብር 6000.00: ንስፔር ፓርት 4000: ንኣቑሑት ኮንስትራክሽን 5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 27, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ስለዝኾነ ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ረቋሒታት ብምምላእ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም።

1 ናይ 2015/2016 ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ (Vat) ዝተመዝገቡ

3 ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ/ም ወርሓዊ ዲክላራስዮን ዘማልኡ Tin number ዘለዎም

4 አብ መንግስቲ መቕረበቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዘረጋግፅ ወረቀት ምስክር

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 100.00 ብር ብምኽፋል ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 18 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣትሒዞም ካብ ኤጀንሲና ቢሮ ቁፅሪ 15 ምርካብ ይኽእሉ።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና ንመሳሪሒ ፅሕፈት ብር 6000.00 (ሽዱሽተ ሽሕ): ንስፔር ፓርት 4000.00 (አርባዕተ ሽሕ): ንኣቑሑት ኮንስትራክሽን 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ከቐርቡ ኣለዎም።

7 እቲ ጨረታ ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 18/03/2016 - 27/03/2016 ዓ/ም ኮይኑ ንስፔር ፓርትን ንመሳሪሒ ፅሕፈት ሰዓት 10:00 ሰዓት ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 10:30 ይኽፈት: ንኣቑሑት ኮንስትራክሽን ሰዓት 4:00 ሰዓት ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4:30 ይኽፈት ።

8 ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-418515 ወይ 0914-778288 ምድዋል ይከኣል።