https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12860
ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ወረዳ ጉለመኸዳ ከተማ ፋፂ ፣ ቀወምቲ ኣቅሑት ፈርኒቸር ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ሃለቅቲ ኣቅሑት ፅሬት፣ ኣቅሑት ህንፃ መሳርሒ፣ ሃለቅቲ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈትን ፣ ናይ ማይ መጋጣጠሚ ኣቅሑት ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ረቃሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 3, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 23, 2013 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000.00
  • ቦታ:ጉሎመከዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 23, 2013 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ተጫረትቲ ዝተሓደሰ ናይ 2012/13ዓ/ም ዝተሓደሰንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ናምበር፣ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ቫት ሰርቲፊኬት፣ ቫት ዝተመዝገብሉ ዲክለር ዝገበርሉ ትገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ብምቅራብ ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

2 መከበሪ ጨረታ 10,000.00 ሽሕ ቅርሺ ኣፍልጦ ካብ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ምሽናፎም ምስፈለጡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ዝርዝር ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 6 ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 03/02/2013ዓ/ም ክሳብ 23/02/2013ዓ/ም ክሳብ 8:00 ሰዓት ክወስዱ ዝክእሉ ኮይኖም ጨረታ ዕለት 23/02/2013ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ብዘለውዎ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይከውን፤

5 ተጫረቲ ዘእተውዎ ናይ ሓደን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ትካሎም ሽምን ፊርማን ዘለዎ ብዝትዓሸገ ፖስታ ከእትው ይግባእ፤

6 ኣብቲ ዝመልእዎ መረዳእታ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ድማ ፊርማ በዓል ዋና ተዘይዓሪፍዎ ውድቂ ይከውን፤

7 ተጫረቲ ጨረታ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ቤት ፅሕፈት ማህተም ዝዓረፎ ዋና ተመሊኡ ዝቀረበ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ፤

8 ተጫረቲ ዘድሊ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ፈላለዮም ከቅርቡ ኣለዎም፤

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ከተማ ፋፂ ዘቅርቡ ምዃኖም

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

12 ኣድራሻና ወረዳ ግሎ መከዳ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ምምሕዳረን ንብረትን እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 09 25 43 38 10 / 0914-522099 ምድዋል ይከኣል፤