https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/12639
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኾሮም ነዞም ዝተፈላለዩ ኣቅሓት ማለት አዉን 1 ኣቁሑት ፅሬት፣2 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ 3 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሐት፣ 4ናዉቲ ሕክምናን ኣፋዉስን ፣ በበዚ ዝምልከቶም ዘፈር ስራሕ ፍቃድ ካብ ዘሎዎም ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 16, 2013 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 2, 2013 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ኮረም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 2, 2013 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በዘይካ 1ን 2ን 4ን ቫት ዘይሓትት ኮይኑ ዝተረፉ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ

2 ናይ 2013ዓ/ም ግበሪ ዝከፈልኩምን ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን

3 በቲ ዘርፈ መለለይ ቲን ቁፅሪ ዝተሓደሰ መቕረባይነት መረዳአታን ዘለኩም

4 በዘይካ ን 3 ናይ ወርሒ ሓምለ  2012 ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ

5 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ፖስታ ብዝተዓሸገ ይቀርብ

6 ሰዓራይ ጨረታ ዝኮነ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያን መፅዓንን መራገፍን ናብ ትካልና ዘቅርብ

7 ሰነድ ጨረታ ካብ 20/01/2013ዓ/ም ክሳብ 02/02/2013 ሰዓት 3፡30 ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ 31 ዘይምለስ 50፡00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

8 መኸበሪ ጨረታ ን ሎት 1ን 2 2000.00 ቅርሺ ንሎት 3 4000.00 ብር ን ሎት 4 6000.00 ቅርሺ  ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

9 ሰነድ ጨረታ 02/02/2013ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኩን ኣብ ዘየለዉሉ ሰዓት 4፡00 ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ይክፈት

10 እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 51 00 59 /09 14 75 12 09 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል