https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11977
መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም መድሓኒትን ፣ ናይ ሕክምና ኣቅሑትን /ናዉቲ/ ብዉስን ጨረታ አወዳዲርና ክንዕድግ ስለዝደለና ጨረታ ንምስታፍ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ቅድመ ኩነታት
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 10, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሰነ 16, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000
  • ቦታ:ዓዲ ጉዶም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሰነ 16, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ዝተሓደሰ ናይ 2012 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ምዃኑ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝኽእል

3 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝኽእል

4 ሰነድ ጨረታ 100 ቅርሺ እዩ

5  ናይ ዉሕስና መክበሪ ጨረታ ናይ መድሓኒት 4000 ቅርሺ፣ ናይ ሕክምና ኣቅሑት 4000 ቅርሺ እዩ

6 ካብ08/10/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 16/10/2012ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ይከኣል። ሳንዱቅ ጨረታ 16/10/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ይክፈት

7 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት። ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

8 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም

9 እቲ ቤት ዕዩ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 ኩሉ ሰነድ ፋይናንሻልን ነንበይኑ ዋናን ቅዳሕን መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ክተቅርቡ ኣለኩም።

11ድሕሪ ቅሬታ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

12 ሰነድ ጨረታ ወይ ስፔስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።

13 ሰዓራይ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ውዕሊ መኸበሪ ከትሕዝ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም የረክብ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0946-793588/0914-107077/ 09 14 19 40 68/ 09 10 29 71 92ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።