https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11456
ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ 2012 ናይ 3ይ ዙር ጨረታ ናይ ስልጠና ማተርያል ዕድጊት ንምክያድ ካብ ዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ ማተርያል ዕድጊት ንምክያድ ናይ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናይ ፅሬት፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናይ ኮንስትራክሽን ፣ ናይ ፈርኒቸር መሳርሕታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 5, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 18, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 18, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ማሽነሪን ኣቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፊ ሕጋዊ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግድ ፍቃድ ዘለዎ

2 ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ /tin No/ ከቅርብ ዝክእል

4 ተመዝጋባይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ምካኑ መረዳእታ ዘቅርብ

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሰ ተመዝጋቢ ናይ ተከታተልቲ ኣወርሕ ሒሳብ ዘወራረደሉ መረዳእታ

6 መኸበሪ ጨረታ ፅሕፈት መሳርሒ 5000.00፣ ፅሬት መሳርሒ 5000.00፣ ኤሌክትሮኒክስ 3000.00፣ ናይ ኮንስትራክሽን መሳርሒ 15000 ብር ፣ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት 5000.00፣ ብር ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብሽም ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 04/09/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 18/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዘይምለስ 50 ቀርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

8 እቲ ጨረታ 18/09/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ም/ን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

9 ሰዓራይ ጨረታ ንመኸበሪ ዉዕሊ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ዝሰዓሮ ዋጋ ብባንኪ ዝተረጋፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክአል

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 41 41 25 05 /09 14 59 11 08/ 09 48 53 62 08 ይደዉሉ