https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11234
ኹሓ ሆስፒታል ኣብ 2012ዓ/ም ንተሓከምቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለየ ዓይነታት ናዉቲ ሕክምናን መድሓኒታትን ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 15, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 29, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 29, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ንግዲ ፍቃድ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ

2 ቲን ናምበር ዘለዎ

3 መቅረባይነት ሰርትፊኬት ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ አተሓሒዝኩም ክተቅርቡ በዓል ዋና ኣብ ንግዲ ፈቃድን ሽምን ፌርማን ማህተምን ናይ ዋጋ መቅረቢ ሽምን ፌርማን ማህተምን ናይ ዋጋ መቅረቢ እነተዘይብሉ አቲ ጨረታ ተቀባለነት የቡሉን

5 ተጨራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ካብ ኩሓ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ምም/ር ቁፅሪ 48 ምዉሳድ ይካኣል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 10000.00 ብስፒአ ኣብ ኩነታት ዝተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ካዓ ብጥረ ገንዘብ ብሽም ኩሓ ሆስፒታል ከትሕዝ ዝክእል

8 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 14/08/2012ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 29/018/2012ዓ/ም መዕፀዊ ሰዓት 3፡00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9ዝሰዓረ ተወዳዳሪ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ሆስፒታል ስቶር ንብረት ኣታዊ ይገብር

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል ኣብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ነንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ይኣቱ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 42 02 21/0914008094/0914021835