https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10213
ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ኣርኣያ ካሕሱ ናይ 2012 ዓ/ም 2ይ ዙር ዕድጊት ንምፍፃም ምድብ 1- ፅሕፈት መሳርሒ ፣ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ፤ምድብ 2- ዕጥቂ ስፖርትን ናይ መኪና ጎማን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 13, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥሪ 26, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:40
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥሪ 27, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2011/ዓ/ም ግበሪ ዝኸፈሉን ናይ 2012 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርቡ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ TIN ዘለዎምን VAT ተመዝገብቲ ዝኮኑን ወርሓዊ ዲክሌሬሽን ክሳብ ናይ ሕዳር 2012 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበርሉ ማስረጃ ዘቅርብ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም፤

3 መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ፅሕፈት መሳርሒ ፣ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ብስፒኦ 3000.00 ቅርሺ ዕጥቂ ስፖርትን ናይ መኪና ጎማን 2000.00 ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ንብረታት ብናይ ባዕልና መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ተረኪብና፤ሎት ሓደ ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያ ናብ ኮሌጅና ነጋዕዝ፤

5 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ መሊኦም ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዶክመንት ዘቕርቡ:

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 12/05/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/05/2012ዓ/ም ሰነድ ዝውሰደሉ እዋን ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ቢሮ ቲቪቲ ክልል ትግራይ ደብሪ 3 ቢሮ ቁፅሪ 333ከ/ስ/ዕ/ፋ/ም/ን ዘይመለስ 40.00 ብር እናኸፈልኩም ክወስዱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/05/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 5:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዉያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::

8 ሰነድ ጨረታ ተነፂሩ ንዝወሃብ መምርሒ ተጫረቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተግበራዊ ክገብሩ ዝኽእሉ፤

9 አብቲ ጨረታ ሰነድ ክሳብ 20 % ምዉሳክን ምቅናስ ከም ዝህሉ ዝተረደአ

10 ምክፋት ጨረታ ሕጋዊ ነጋዶ ወይ ወኪላቶም ብዘይምቅራቦም ናይ ጨረታ ምክፋት ዘይተኣጓጎል ምካኑ፤

11 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-752538 ወይም 0914-743683 / 0914-189509 ምሕታት ይካኣል፤