ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኣትክልትን ፍረምረን፡ ፃዕዳ ጣፍ ፡ዓይኒ ዓተር ፡ ዝተፀፀየን ዘይተፀፀየን ብርሽን ፡ዘይተፀፀየ ዛላ በርበረ፡ ኣፋዉስን ፡ናዉቲ ሕክምናን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  1. ብመሰረት እዚ በቲ ዘፈር ስራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ንምግቢ አትክልቲ ኣፋዉስን ናዉቲ ሕክምናን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይሓስብ ኮይኑ በቲ ዝጫረትሉ ዘፈር ስራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
  2. ግብሪ 2008 ዓም ከፊልኩም ዝሐደስኩምን ክትወዳደሩ ትክእሉ
  3. በቲ እትወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ዝተመዝገብኩምሉ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም
  4. መረዳእታ መቅረባይነት ዘለኩምን ክትቅርቡ እትክእሉን
  5. ንተጫረቲ  ኣፋዉስን ናዉቲ ሕክምናን ዝተሓደሰ መረዳእታ መረጋገፂ ብቅዓት ዘለኩምን ክተቅርቡ እትክእሉን
  6. ንምግብና ዘድሊ ኣትክልቲ ድማ ከከምኩነታት ዕዳጋ ፅንዓት እናተርኣየ በቲ 3 ወርሒ ዉዕሊ እናኣሰረ ክሳብ  ሰነ 30 2008 ዓም ኣቅርብ ኣብ ዝተብሃለሉ ግዜ ከቅርብ ዝክእል
  7. ተጫረቲ ጣፍ ዓይኒ ዓተር ብርስንን በርበረን ሰዓርቲ ኮይኖም ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሕጢ 15 ናይ ስራሕ መዓልትታት ብናይ በዓልቶም መጋዕዝያ  ኣብ ሆሰፒታል ኮረም ከቅርብ ዝክእሉ
  8. ኣፋዉስን ናዉቲ ሕክምናን  ግና እቲ ሆስፒታል ባዕሉ ኣብ መቀለ ዝርከብ ይከዉን
  9. ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅደሕነ ብዝተፈላለየ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
  10. ሰነድ ጨረታ ካብ 10 ሕዳር 2008 ዓም ክሷብ 5 ታሕሳስ 2008 ዓም ካብ ፋይናንስ ኮረም ሆስፒታል ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
  11. መክበሪ ጨረታ ነንፍስወከፍ ዘፈር 3000 ቅርሺ ብሲፒኦ ኣታዊ ዝገብር
  12. ጨረታ ታሕሳስ 5 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም  ተረከቡ ኣይተረከቡ ብዝይገድስ ሰዓት 5፡ 00 ኣብ ሆስፒታል ኮረም ይክፈት
  13. ሰነድ ጨረታ  ስርዝ ድልዝ እንታሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን
  14. ኣብ በዝሒ 20 ሚኢታዊ ክዉስክን ክቅንስ ይክእል
  15. ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ሕታ እንተሃሊዎም ጨረታ ንምክፋት 3 መዓልቲ ክተርፎ ከሎ እንተቅሪቦም ሕቶኦም ተቀባልነት የብሉን
  16. እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0345510059/ 0914751209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ