ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝ/ዩ ሕትመታት ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ከሐትምን ይደሊ::

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፋቃድ ንግዲ ዘለዎ

2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም

3 መረዳእታ መለለይ ከፋለይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዘይምለሰ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 16/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 30/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኩሉ ሻብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል፤

7 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 30/08/2011 ዓም ሰዓት 8:45 ይዕሸግ። በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት።

8 መከበሪ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ።

9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

10 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብረሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።

10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ነብሲ ወከፍ ንብረት ንፅሬት ኣቅሑት ኣብ 20.00 ተከታታሊ መዓልቲ ንሕትመት ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታልቲ መዓልቲ ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፤

11 ዝኾነ ተጫረታይ ቤት ዕዮና ኣብ ዘቀመጦ ዝርዝር ምውሳኽ ወይ ምንካይ ካብ ውድድር ወፃኢ ዝገብር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477 /0344-408299 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ