ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓውዜን ንኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ህንፃን ኣወቶሞቲቭን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ፡፡

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክተቅርቡ ትክእሉ ፤

2 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም፤

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን/ ምስክር ወረቀት ዘለኩም፤

4 ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ እትቀርቡ፤

5 ናይ ወርሒ የካቲት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ዘለኩም፤

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ከምኡውን ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ዘለዎን ክህልዎ ይግባእ፤

7 ተጫረቲ ዘየምለስ 30.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓውዜን ከ/ስ/ዕ*ን/ፋ/ምም/ንብረትን ህንፃ 3 ካብ 19/07/2011ዓ/ም ክሳብ 04/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ንመከበሪ ውሕስና ጨረታ ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ሎት 2 ኤሌክትሮኒክስ 6000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ሎት 3 ህንፃ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ሎት 4 ኣወቶሞቲቭ 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ኣለኩም፡፡

9 እቲ ጨረታ ካብ 04/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 18/08/2011ዓ/ም  ፀኒዑ ዝፀንሕ ይከውን፡፡

10 እቲ ጨረታ 04/08/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓውዜን ኣብ ከ/ስ/ዕ*ን/ፋ/ምም/ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

11 ሰዓርቲ ጨረታ እንተኮይኖም ዝሰዓርዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ወሸጢ 9 መዓልቲ ብፅሬትንን መጠንን ብብናይ ባዕልኩም መጓዓዝያ ናበቲ ኮሌጅ ክተቅርቡ ኣለኩም፡፡

12 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0348-670208/ 0914-122418/ 0942-016205 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ